Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በዓል ጥምቀት ገበን ንምፍፃም ተዳሊዮም ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በዓል ጥምቀት ገበን ንምፍፃም ተዳሊዮም ዝነበሩ 205 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብንትሕብባር ካብ ሕብረተሰብ ብዝመፅአ ሓበሬታ መበገሲ ብምግባር ብዝገበሮ መፅናዕቲ ኢዮም እቶም ተጠርጠርቲ ተታሒዞም።

እቶም ተጠርጠርቲ ንገበን ዘዳለውዎም ሰነድ ኣልባ ተሽከርከርቲ እውን ከምዝተትሓዝ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተናታት ብዝገበሮ ቁፅፅር እቲ በዓል ብሰላም ንከይኽበርን ሁውከት ንክለዓልን ቅድመ ምድላው እንትገብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 300 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ድምፂ ዘይብሎም ማኣርሒታት ሓዊሱ ዘይሕጋዊን ፍቓእ ዘይብሎምን ሸጓጉጢ እውን ተታሒዞም ኣለዉ።

ሕብረተሰብ ዝኾነ ሓበሬታ እንትህልዎ ብነፃ መስመር ስልኪ  991 ከምኡ ውን ብ0111 11 01 11 ብምድዋል ሓበሬትኡ ንከብፅሕ ተላቢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.