Fana: At a Speed of Life!

ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምቁፅፃር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስዝርከቡ ኣካላት ፍትሒ ወፍሪ ፀረ-ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ኣካይዱ።

መድረኽ እቲ ወፍሪ ኣብ ከተማ ኣዳማ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ደበሌ ቃበታ፤ ኮንትሮባንድ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንሕብረተሰብ ዝጎድእን ሃገር ከይትረጋጋእ መበገሲ ከምዝኾንን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ተመሳሰልቲ መድረኻት ወፍሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዝካየዱ እው ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ምክልኻል ኮንትሮባንድን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተገኔ ደረሰ ብግደኦም፥ ኮንትሮባንድ ንግዲ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጉድኣታት ብምብፃሕ መበገሲ ጎንፂ ብምዃን ድሕንነት ሃገር ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለዝኾነ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እቲ ፀገም ኣብ ምቁፅፃር ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ሓቲቶም፡፡

ብዝተሰርሑ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምኽንያት ዘይሕጋውያን ነጋዶ መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ብር 19 ነጥቢ 313 ምድሓን ከምዝተኽኣለ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፥ ሕጊ ብግቡእ ክኽር ብምግባር ንውሑዳት ጥራሕ ረቢሑ መብዛሕትኡ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ ጉድኣት ዘቃልዕ ስለዝኾነ ብሓባር ክንከላኸሎ ይግባእ ኢለን፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር እቶት ኣተ ዘመዴ ተፈራ፥ እቲ ጉዳይ ናይ ብዙሓት ኣካላት ምትሕብባር ዝደሊ ስለዝኾነ ተዋዲድካ ብምስራሕ ጉድኣታት ብምንካይ ንልምዓት ዝውዕል ኣታዊ ንኽእከብ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.