Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ፅዮን ተክሉ ምስ ኣብ ትካል ፍልሰተኛታት ዓለም ዳይሬክተር ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ፅዮን ተክሉ ምስ ኣብ ትካል ፍልሰተኛታት ዓለም ዳይሬክተር ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ሞሐመድ ኣብዲከር ተዛቲየን።

ወይዘሮ ፅዮን ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ብዝምልከት ኣድላዪ ስራሕቲ ምውዳድ ሓበሬታ ብምስላጥ ብዝተዋደደን ብዝተሳለጠን ኩነታት ናብ ከ,ሃገሮም ክምለሱ ንምግባርብወገን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ኣብሪሀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ካብ መበገሲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መባፅሕቲ ሃገራት ዘለዉ ዘይሕጋውያን ኣካላት ኢዶም ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ብመዳይ እዚ መባፅቲ ሃገራት እውን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ መይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)፥ ኣብ መስመራት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት መፅናዕቲ ብምግባር ምስ ኣባል ሃገራት ብምትሕብባር እቲ ፀገም ካብ ፍልፍሉ ኣብ ምክልኻል ዘድሃቡ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት እቲ 70 ሚኢታዊ ዝኸውን መንግስቲ እናሸፈነ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ሓደሓደ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝተሓንገጡ ኣካላት ግን ጭቡጥ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ ንፃዕሪታት መንግስቲ ዘነኣእሱ ፀብፃባት ከምዝተፀመዱ ገሊፀን።

ዳይሬክተር ሞሐመድ ኣብዲከር ብግደኦም፥ ትካሎም እናገበሮ ዝርከብ ምግቢ ተንከፍ ሓገዛት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምርኣይ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ምግባሮም ተዛሪቦም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት በሰላ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ትካሎም ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ሶማሊያ ኣቢሎም ብምስጋር ኣብ የመን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምፍላይ ድሌቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ሓሊዩ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.