Fana: At a Speed of Life!

ውዳበ ፖሊስን ምዝውዋር መሳርሒታት ኲናትን ዝምልከት ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ዘድሃቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም

ኣዲስ አበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት መፅናዕቲን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያ ፖሊስን ምኽባር ሕጊን ብምቱኳር ካብ 28 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣቕሪቡ።

እቲ ኢንስቲትዩት፥ ኣገልግሎታትመን ኣሰራርሓታትን ፖሊስ ንምምሕያሽ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኣሰራርሓታት መበገሲ ብምግባርን ብተግባር ካብ ዘጋጥሙ ፀገማት ብምብጋስ ዘበና ትካል ፖሊስ ንምጥያሽ እናሰርሐ ዝርከብ ትካል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ውዳበ ፖሊስ፣ ምዝውዋር መሳርሒታት ኲናት፣ ኣብ ኣተገባብራን ኣጋጣሚታትን ፖሊሲንግ ማሕበረሰብ፣ ከይዲ መረፃ ኢትዮጵያን ግደ ፖሊስ ኣብ ምኅባር ሕጊን፣ ኣብ ፆታዊ ጥቕዓትን ምክልኻል ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ብርክታት ፖሊስ ኣድሂቦም ዝቐረቡ ኢየም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ምስፍን ኣበበ፥ እቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ጉዳይ ሕጊ ሞያ ፖሊስን ምኽባር ሕጊን ንዝቕፅል ልኡኽቶ እታወት ከምዝኾኑን ግንዝበ ከምዘዕትሩን ገሊፆም፡፡

ልውውጥ ልምዲ ብምዕባይ፣ ዝሓለፉ ኣሰራርሓታትን ኣፈፃፅማታትን ከምኡ እውን ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ብምፍላይ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ ልኡኽቶታትን ኣፈፃፅማታትን ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ዘቕምጡን ንስራሕ ዘለዓዕሉን ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ኣመራርሓታት ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላት፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዮም ቀሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.