Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ሕቡራት ምንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 65 ሚሊየን ዶላር ለቒቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት ምንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 65 ሚሊየን ዶላር ክልቀቕ ወሲኑ።

እቲ ሓገዝ ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ምግቢ፣ መፅለሊ፣ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ግልጋሎት ሕክምናን ንኽኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት የመላኽት፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዝተለቐቐ ሓገዝ፥ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ልዕሊ 16 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካፍ ሞንጎ ዝተለቐቐ ሓገዝ፥ እቲ 40 ሚሊየን ዶላር ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነን ዝተረፈ ድማ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዜጋታትን ከምዝውዕል ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.