Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ንምኽባር ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው፣ ርእሰ ምምሕር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልሽ ኣብዲሳ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳሁንን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ተረኺቦም።

እቲ በዓል “ቱሪዝም ንልምዓት ገጠር ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣብቲ ኣሀባብራ ስነ-ስርዓት፥ ኣብ ከተማጂግጂጋ ዝህነፅ ማእኸል ባህሊ እምነ ኹርናዕ ብሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምንዶክተር ሂሩት ካሳሁንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ተነቢሩ።

እቲ በዓል ብሲምፖዚየምን ኣብ መባፅሕቲ ቱሪዝም ከባቢታት ዑደት ብምግባር ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ከተማ ጂግጂጋ፥ ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተኸበረ መበል 28 ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ቱሪዘዝም ኣተኣናጊዳ ከምዝነበረት ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ በዓል መዓልቲ ቱሪዝም፥ ብብርኪ ዓለም ንመበል 41 ግዘ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 33 ግዘ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.