Fana: At a Speed of Life!

ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 2013 ዓ.ም ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበል 20 ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 2013 ዓ.ም ብዘይ ምንም ፀገም ፀፃታ ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር ብሰላም ንኽዛዘም፥ ኣስተዋፅኦ ነበርቲ እታ ከተማ፣ ኣካላት ፀፅታ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣዳለውቲን ተሳተፍቲን እቲ ፕሮግራም ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

10 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነን መበገሲኡ መስቀል ኣደባባይ መዛዘሚኡ ድማ ከባቢ ኣኽሱም ህንፃ ዝገበረ እቲ ዓቢዪ ጉያ፥ ናይ ወፃኢ ዜጋታት ሓዊሱ ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ተሳቲፎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ኮሚሽን ንኹሎም ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.