Fana: At a Speed of Life!

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብሓድነት ተረባሪብና ብምዝዛም ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ፍልፍል ሓይሊ ጎረባብቲ ሃገራት ንምግባር ክንሰርሕ ኢና – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ዞባ ዳውሮ ኣብ ከተማ ተርጫ ተዛትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ድኽነት ምክፍፋል ከምዘስዕብ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረትን ጅግንነትን ከምዘድሊ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ተሓጋጊዝካ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢጥዮጵያ ብምዝዛም ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ፍልፍል ሓይሊ ጎረባብቲ ሃገራት ንምግባር ምስራሕ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ተሳተፍ እቲ ዘተ ብግደኦም፥ ዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ክሳብ ሕዚ ዝሰርሑዎም ዝተፈላለዩ ዕዉታት ስራሕቲ ኣድኒቖም።

እቶም ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣዩ ፀገማት ቀረብ ዝስተ ማይ፣ ምስ ዕቤት ከተማታት ዝመጣጠን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምጉታት ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት መገዲን መፍትሒ ንኽግበረሎም እውን ሓቲቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ዳውሮ ዝርከቡ ሓድጊታት ንምምዝጋብ ስራሕቲ ንኽጅመሩ፣ ጥንታዊ ባህሊ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኦሞ ዘድሃበ መፅናዕቲን ምርምርን ንኽካየድን ኢንዱስትሪ ኣርቃይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንኽውዕል ሓቲቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ድማ እናተኻየደ ዝርከብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ኣብ ቀረባ እዋን ዝጅመር ቁልፊ ትሕዝቶ ብሄራዊ ትልሚ 10 ዓመትን፥ ነቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ዝተማልአ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎም ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቅድሚ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ንዝተኣከበ ነባሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ተገሊፁ።

ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዶብ ሃገሮም ኣሕሊፎም ኣይህቡን ክብሉ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ኣቢይ ሎሚ ንጎሆ ናብቲ ከባቢ ምስ ኣምርሑ፥ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ይሳለጡ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም እውን ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.