Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ብፍቕሪ፣ ምትሕብባርን ሕብሪን ኢትዮጵያውያን ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ክዕወት ዝኸኣለ ብፍቕሪ፣ ምትሕብባርን ሕብሪን ኢትዮጵያውያን ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ዓድዋ ዘላቒ ሰላምን ጥንኩር ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ሃገር ለኸ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ምንቅስቓስ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበሉዎ÷ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዝተሓባበረ ቅልፅሞም ኣይግዛእን በሃላይ ወነኦምን ወራሪ ሓይሊ ብምንብርካኽ ክብሪ ሃገሮም ኣፅኒዖም።

ዓወት ዓድዋ ብህብር፣ ብፍቕሪን ምትሕብባርን ዝተረኸበ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ናይቲ እዋን ጦር ኢትዮጵያ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተዋቐረ ሓይሊ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።

ሕብሮም ብብርር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መራሒን ህዝቢን፣ ናይ ከየንቲን ኣሰናዳእቲ ስንቂን፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ኩሎም ሕብረት ብምፍጣር ንኽብሪ ሃገር ዝተመሙሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሕዚ እውን ፀላእቲ ኢትዮጵያ ንምብርካኽ፣ ድኽነት ንምስዓርን ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ንምስዓርን ሕብሪ ብምዃን ምዝማት ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ኣብ ዘበነ ዓድዋ ዝተርኣየ ፍቕሪ ሃገርን ወገንን ሎሚ እውን ፀኒዑ ንኽቕፅል ምስራሕ ትፅቢት ይግበር” ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ንሃገር ዝኽፈል ዋጋ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ዓድዋ ሃገር ዘድሕንን ዘፅንዕን ቤት ትምህርቲ ብምዃን ስብራታት ንምፅጋን ፍቱን መድሓኒት ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ብምዃኑ ድማ ካብ ቀዳሞት ጀጋኑ ፍቕሪ ሃገር ብምውራስ ንሰላምን ምዕባለን ሃገር ከምኡ እውን ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ምትጋህ ሓላፍነት እዚ ወለዶ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.