Fana: At a Speed of Life!

ዩኒሴፍ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንህንፀት ትካላት ማይ ዝውዕሉ ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገረሎም ናውቲ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ)ዩኒሴፍ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምኽንያት ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ትካላት ማይ መህነፂ ዝውዕሉ ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገረሎም ናውቲ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ ምክትል ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኪቲካ ጎዮል÷ ምስ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ÷ ጀነሬተር፣ ፓምፕ ማይን ሶላ ፓኔልን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጂን እቲ ክልል ዶክተር ማማሩ አያሌው÷ ትካላት ማይ መሊሶም ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር ክሳብ ሕዚ መሓዙት ኣካላት ልዕሊ 620 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ እታወታት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ናብ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝፅግዑ ዜጋታት ተቛሪፁዎም ዝነበረ ኣገልግሎት ማይ መሊሶም ክረኽቡ ምግባር ከምዝተኽኣለ መግላፆ ኣሚኮ ፀብፂቦ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.