Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኮያንግፖኦክ ንተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሐሴ 25፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኮያንግፖኦክ ንተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ንምሃብ ተስማዕሚዑ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ከተማ ቹንቾን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮያንግፖኦክ ዑደት ኣሳሊጠን።

እተን ከንቲባ ምስ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኮያንግፖኦክ ኪም ሂዎን ያንግ ኣብ ዝገበርኡ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ከተማታት ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሮግራም ነፃ ዕድል ትምህርቲ ከንቲባ ምጥዕዓም ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ስለዝኾነ ዝሓሸ ውፅኢት ንዘለዎም ተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ብከንቲባ ዝተሰየመ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ንምሃብ እቲ ዩንቨርስቲ ተስማዕሚዑ።

እዚ ድማ ነቶም ተምሃሮ እወንታዊ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.