Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዙርያ ዳግመ ግረባን ቀፃልነትን ልምዓት ደኒ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዙርያ ዳግመ ግረባን ቀፃልነትን ልምዓት ደኒ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ።

ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ደኒ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ድማ ኮሚሽን ከባቢ፣ ደኒን ንብረት ኣየርን ኢትዮጵያን ግልጋሎት ደኒ ደቡብ ኮሪያን ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብባር ንሓምለዋይ ልምዓትን ዓለም ለኸ ሽቶን 2030 ተፈራሪሞም።

ምትሕብባር ንሓምለዋይ ልምዓት፥ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምንካይን ዘፈር ውልቀ ዘሳተፈ ቀፃሊ ዝኾነ ልምዓት ደኒን ንምርግጋፅ ዘኽእል ኢዩ።

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዳግመ ግረባ ደኒ ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢራ እናሰርሐት ምፅናሓ ዝገለፀ እንትትከውን፥ ኣብዚ ዓመት እውን ኣብ ምትሕብባር ንሓምለዋይ ልምዓት ተመራፂት ምዃና ረገሊፁ።

እቲ “ተበግሶ ደኒ ሰላም” ዝብል ስም ዝተውሃቦ ፕሮጀክት፥ ሃፍቲ ደኒ መሊስካ ብምልማዕን ናፃ ዕዳጋ ብምፍጣርን ከባቢያዊ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ሰላምን ንምርግጋፅ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኮሪያ ሄራልድ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ሃፍቲ ደኒ ደቡብ ኮሪያ ፓር ቾንግ ሆፍ፥ ኣብ እዋን ኲናት ኮሪያ ሰራዊታ ዝለኣኸት ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ኢትዮጵያ ተበግሶ ደኒ ሰላም ምጅማሩ ከምዘሐጎሶም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.