Fana: At a Speed of Life!

ዴንማርክ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ልምዓት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንሚኒስትር ምትሕብባር ልምዓትም ዓለም ለኸ ንብረት ኣየርን ዴንማርክ ዳን ጃርገንስ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ ዘተ÷ ዴንማርክ ቁልፊ መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ብሕባር፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብብራ ርክበን ንኽጠናኸር ኢትዮጵያ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ኣመልኪቶም ገለፃ ዝገበሩ ኣይተ ደመቀ÷ መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንሚኒስትር ምትሕብባር ልምዓትም ዓለም ለኸ ንብረት ኣየርን ዴንማርክ ዳን ጃርገንስ ብግደኦም÷ ዴንማርክ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ልምዓት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.