Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ለውጢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ንልምዓት ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ልዑል ግደ ኣለዎም-ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ለውጢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ንልምዓት ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ልዑል ግደ ኣለዎም ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ብፍልፍል ሓሳብን ክትትልን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብደገፍ ፈተውቲ ዓዲ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ዝተጀመረ ጎስጓስ መኣዲ ንሃገር ኣካል ዝኾነ መንደር ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ ደንዲ ብምምራቑ ዝተሰመዐን ታሕጓስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን፥ “ዘለዉና ሃፍቲታት ብምርኣይ ኣእምሮን ኢድን ኣዋዲድና ብምልማዕ ካብ መኣዲ ንሸገር ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ንልምዓት ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ሃገርና ከምኡውን ህንፀት ፅባቐ ሃገር ልዑል ግደ ዘለዎ መስሕብ ቱሪዝም ይኾኑ ኣለዉ” ኢለን።

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ዕላዊ ንክኸውን ንዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ኣብ ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ንዝተሳተፉ፣ ደገፍ ነዝገበሩ ሰብ ሃፍቲን ንዘተሓባበሩ ኣካላትን አመስጊነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.