Fana: At a Speed of Life!

ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ – ሴናተር ጄሰን ክሮው

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ ክብሉ ሴናተር ኣሜሪካ ጄሰን ክሮው ተቓዊሞምዎ።

እቶም ሴናተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ “ግብፂ ህዳሰ ግድብ ክተባርዖ ትኽእል ኢያ” ዝብል ዘረባ ምዝራብ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ዝገበርዎ ዝርርብ ናይቲ ግድብ መፃኢ ዕድል ኣብ ግንዛበ ዘእተወ ኣይኮነን እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ሕውነት ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ ህደሰ ግድብ ብዝምልከት ኣሸማጋሊት እንበር ናይ ኣድልዎ ጣልቃ ኣእታውነት ኣየድልያን ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ንክዛዘም ምስራሕ እንበር “ሓገዝ ደው ክነብል ኢና” ዝብል መፈራርሒ ክትስንዝር ኣይብላን ክብሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.