Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሂሩት ካሳው ኣብ ግምባር ወሎ ተረኺበን ሓይሊ ትህነግ እናተቓለሱ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣበረታቲዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ኣብ ግምባር ወሎ ከተማ ፍላቂት ተረኺበን ሓይሊ ትህነግ እናተቓለሱ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣበረታቲዐን።

ኣብቲ ግምባር ምስ ዝርከቡ ጀነራላት እውን ኣብ ቀፃሊ ካብ ኣመራርሓ ትፅቢት ዝግበር ግደን ሓገዝን፤ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ህልውና ካብ ሕረተሰብን ኣመራርሓን ዝህሉ ብፅሒት ኣመልኪተን ተዛቲየን።

እቶም ጀነራላት ብግደኦም፥ ሕብረተሰብን መናእሰይን እናገበሩዎ ዝርከቡ ደጀንነት ታሪኽ ዝዝክሮ ከምዝኾነ ብምግላፅ በዚ ከምዝተሓጎሱ ተዛሪቦም።

ዶክተር ሂሩት ብተወሳኺ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ናውቲ መሐለዊ ፅሬት፣ ኣብ ከተማ ፍላቂት ንዝርከባ ኣደታትን ህፃናትን ዝኸውን ሃናፂ ብሽኩቲን ማካሮኒን ብሓገዝ ኣበርኪተን።

እቲ ሓገዝ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ፍላቂት ከምዝተረከቡ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ጎንደር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.