Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሊያ ምስ ሚኒስትር ጥዕና ኖርዌይ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምስ ሚኒስትር ጥዕና ኖርዌይ ኢንግቪልድ ጀርኮል ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ኣብ ምድጋፍ ቴክኖሎጂ ጥዕናን ሰርዓት ጥዕናን ዘድሃበ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።

እተን ሚኒስትራት ጎኒ ንጎኒ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መበል 75 ጉባኤ ጥዕና ዓለም፥ ዓቕሚ ዝሃንፁ መፅናዕቲታትን ምርምራትን ከምኡውን ኣብ ክሊ ልውውጥ ፍልጠት  ተላዚበን።

ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣብ ምድጋፍን ምጥንኻርን ድጋፍ ነክትገብር ሓቲተን።

ሚኒስትር ጥዕና ኖርዌይ ኢንግቪልድ ጀርኮል ብግደአን፥ ሃገረን ኣብ ዓውዲ ጥዕና መስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.