Fana: At a Speed of Life!

ጃኬት ማይክል ጃክሰን ብጨረታ 306 ሺሕ ዶላር ተሸይጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ 14 ዓመታት ህይወቱ ዝሓለፈ ኣሜሪካዊ ንጉስ ሙዚቃ ፖፕ ማይክል ጃክሰን ጃኬቱ ንጨረታ ቀሪቡ 306 ሺሕ ዶላር ከምዝተሸጠ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጃኬት ማይክል ጃክሰን ኣብ 1980ታት ፔፕሲ ኮላን እንተፋልጥ ተኸዲዎ ከምዝለበረ ተሓቢሩ፡፡

ቅድም ክብል እውን “ሙን ዎክ ዳንስ” ዝተባህለ ዳንሲ እግሪ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘርአየሉ እዋን ዝተኸደኖ ቆቢዕ ንጨረታ ቀሪቡ 67 ሺሕ ዶላር ከምዝተሸጠ ብምዝኽኻር ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጃኬት ማይክል ንጨረታ ኣብ ዝቐረበሉ መድረኽ ናይ ነበር ድምፃዊት እንግሊዛዊት ኤሚ ወይንሃውስ ገይፂ ፀጉሪ 22 ሺሕን 900 ዶላር ተሸይጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.