Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንክለተ ናይ ወፃኢ ሃገር ተፃወትቲ ኣፈሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንክለተ ናይ ወፃኢ ሃገር ተፃወትቲ ብክልተ ዓመት ኩንትራት ከምዘፈረመት ዕላዊ ገይራ።

እታ ጋንታ ንናይጀሪያዊ ሞሰስ ኦዶ ቶቹኩንን ጋናዊ ተፃዋታ ክዋሜ ኣዶምን ከምዘፈረመቶም ካብታ ጋንታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኦዶ ቶቹኩ ኣብ ሊጋት ሃገሩ ናይጄሪያ፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ሳይፕረስ፣ ሱዳንን ቻይናን ሊግ ንነዊሕ እዋን ህይት ኩዕሾ እግሪ ዘሕለፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ጋናዊው ወዲ 26 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ናይ ተኸላኻሊ ኣከፋፋሊ ኣዶም ፍሪምፓንግን ድማ ኣብ ስዊድናዊት ጋንታ ዳልኩርግ ከምኡ እውን ኣብ ጋንታታት ሃገሩ ኣሻንቲኮቶኮን ኣዱዋና ስታር ከምዝተፃወተ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም ተፃወትቲ ሎሚ ኣብ  ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብምርካብ ንክልተ ዓመት ኣብ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘፅነሖም ክታም ኣንቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.