Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ መስዋእትነት ዝኸፈሉን ክቡር ኣካሎም ዝጎደሉን ጀጋኑና ተጋድሎ ብታሪክ ዝዝከር ኢዩ- ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ መስዋእትነት ዝኸፈሉን ክቡር ኣካሎም ዝጎደሉን ጀጋኑና ተጋድሎ ብታሪክ ዝዝከር ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኣምሓራ  ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

“ኣብ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ዝተኸፈለ መስዋእትነት ንሉእላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብቲ ወፍሪ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ኣብ ከተማ ባህርዳር ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኣምሓራ  ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ደሞም ብምፍሳ ሃገር ናይ ምፅናዕ ሓላፍነት ተዋፂኦም።

ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንፁሃን ብምጭፍጫፍ፣ ደቂ ኣኒስቲዮ ብመድፋርን ሃፍቲ ብምውራርን ካልኦት ክፉኣት ተግባራት ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ሓገዝ ንከይበፅሖም ካብ ምግባር ብተወሳኺ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናትን ኣረጋውያንን ህይወቶም ንክሓልፍን ንዝኸፍአ ስቓይ ንክቃልዑል ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘሰቅቕ ተግባር ዝፈፀመ ንዘበናት ተዛሚዱ ተፋቲዉ ዝነበረ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ሓድነት ብምፍራስ ሃገር ንምፍራስ ዝሓዞ ሸቶ ንምዕዋት ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ይኹን አንበር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ ኣምሓራን ካልኦት ክልላት ሓይሊታት ፀፅታን ብዝገበርዎ ተጋድሎ እቲ ጉጅለ ተበታቲኑ ንክድምሰስ ከምዝተገደደ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ መስዋእትነት ዝኸፈሉን ክቡር ኣካሎም ዝጎደሉን ጀጋኑና ተጋድሎ ብታሪክ ዝዝከር ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.