Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጨፍጫፍን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን ፈፂሙ-ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል

ኣዲስ ኣበባ፣ 24  ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጨፍጫፍን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን ከምዝፈፀመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቢሮ ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፀብ ገሊፆም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቢሮ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ሃገርና ዘጋጠመ ጎንፂ ብዝምልከት ፀብፃብ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣቕሪቦም።

ብፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ትግራይ 24 ጥቅምቲ  2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍፃም ካምጵ ጦር ከምዝተቖፃፀሩ እቲ ፀብፃብ ኣርእዩ።

30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣባል ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ትግራይ ዝኾኑን ንባዕልተም “ሳምሪ” ብምባል ስያሜ ዝፅውዑን ጉጅለታት ኣብ ማይ ካድራ ልዕሊ 200 ኣምሓሩ ብግፍዒ ከምዝቐተሉ እቲ ሪፖርት ኣመላኺቱ።

30 ጥቅምቲን 1 ህዳርን 2013 ’’ ሳምሪ’’ ዝተብሃሉ ሓይሊታት ኣብ ማይካድራ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣወዳት ፈሊዮም ከምዝጨፍጨፍዎም ሓቢሩ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ማይካድራ ብፍላይ መናእሰይ ብምፍላይ ከምዝቐተለ እቲ ፀብፀብ ሓቢሩ።

ኣብቲ ተግባር ነይቲ ከባቢ ሰብ መዚ፣ ፖሊስን ሚሊሻን ቀጥተኛ ተሳትፎን ድጋፍን ከምእነበሮም እውን ተገሊፁ።

30 ጥቅምቲ 2013 ነጎሆ ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ተወለድቲ ኣምሓራ ብምፍላይ ታሴራ ብምሕዳግን ሲም ካርዶም ብምሕዳግን እቲ ተግባር ከምዝጀመርዎ እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብቲ ዕለት ምስተፈለዩ 9 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ገዘኦም ማዕፆ ዓፅዮም ንክቕመጡን ካብ ገዛ ንከይወፅኡን ከምዘጠንቀቕዎም ተገሊፁ።

ብምቕፀል ‘’ሳምሪ’’ ዝበሃሉ ግጅለ ኣባላት በቲ ከባቢ ሰብ መዚን ሚሊሻን ተዓጂቦም ገዛ ንገዛ ብምዛር ብዝሓዝዎ ጉራዴ፣ ጦር፣ መደሻን በትሪን ብምጥቃም ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ።

ንምምላጥ ዝፈተኑ ድማ ናይቲ ከባቢ ፖሊስን ሚሊሻን ተፀቢዮም በጦር መሳሪያ ከምዝቐልዎም እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲን መቕተልቲን ብፍላይ ’’ ግንብ ሰፈር’’ ን  ‘’ሰራተኛ ሰፈር’’ን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ኣብ ዝለብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን  ኣባላት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላሌኡ ቦታታት ኣብ ቁፅፅር ዘውዓልዎም ሰለማዊ ሰባትን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላዊ መጥቃዕቲን ካልኦት ዝገደዱ በደላትን ከምዘብፅሑሎም እቲ ፀብፃብ ኣርእዩ።

እቶም ኢሰብዓዊ ተግባራት ኣብ ጦር ካምፒታት፣ መአከቢ ማዕከላት፣ ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ግዳያትነእ ኣድራሸኦም ኣብ ዘይፍለጡ ስፍራታትን ከምዝተፈፀሙ ተሓቢሩ።

30 ጥቅምቲን 1 ሕዳርን ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ኣብ ሑመራ ብፍላይ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ብምፍላይ ኢዶም ንድሕሪት ብምእሳርን ብምፅራፍን፣ ስቓይ ብዝተመልኦ ኩነታት ብምቕማጥ፣ ብምድብዳብ፣ ንብዙሓት መዓልታት ምግብን ማይን ብምኽልካልን ብጥምየት ብምቕፃዕን ናይ ግፍዒ ኣማውታን ልዑል ስቓይን ከምዘብፅሕሎም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

እቲ ጎንፂ ምሰተጀመረ ኣብ ምዕራብ ትግራይ (ማይካድራ) ዝርከቡ ብፍላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ትግራይ ተዓጊቶም ከምዝተሳቐዩ እቲ ፀብፀብ ኣመላኺቱ።

ካብ 30 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተትሓዙ ተወላድቲ ኣምሓራ ናብ ሽረ፣ ኣኽሱምን መቐለን ተወሲዶም ምእሳሮምን ዝኸኣሉ እንተምልጡ ብዙሓት ድማ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ። ዝኣተውሉ ዘይፍለጡ ዜጋታት እውን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ካብ ጥቅምቲ 2013 ክሳብ ታህሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘዉ እዋናት ኣብ ትግራይ ሺመልባ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ናይ ኤርትራ ስደተኛታት ብዕጡቓት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀሞም እውን ተገሊፁ፡፡

ዕጡቓት ሓይኢ ትግራይ ንብረት ስደተኛታትን ትካላት ኣቕረብቲ  ሰብዓዊ ድጋፍን ከምዝዘረፉ ተሓበሩ፡፡

ፍሉያት ሓይሊን ሚሊሻን  ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ (ማይካድራ)ን ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ዝርከቡ ናይ መንግስቲን ውልቀን ንብረታትን መሰረተ ልምዓትን ብምዝራፍን ብምዕናውን ልዑል ዕንወት ከምዝፈፀሙ ኣብሪሁ እቲ ፀብፃብ።

ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣገዲድካ ምድፋርን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ግዳያት ንምሽምቓቕን ሰብኣዊ ክብሮም ንምግፋፍን ብምሕሳብ ከምዝፈፀሞ ተገሊፁ።

እቲ ኩይናት ምስተጀመረ ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ዘምለጡን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተሓቢኦም ዝነበራን ደቂ ኣኒስቲዮን ኣጓላትን ብፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ተታሒዘን ተደፊረን ኢየን ኢሉ እቲ ፀብፃብ።
በዚ እውን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከተማታትን ወረዳታትን ኣብ ዝተቖፃፀርሎም ጊዘታት ኣንሽቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምፍላይ ከምዘሳቐይወን ከምዝደፈርወንን እቲ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።

ካብ መንጎ እተን ደቂ ኣኒስቲዮ እተን ኣብዝሓ ጥቅምት 2013 መቐሌ ተኣሲረን ከምዝፀንሓ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ብሂወት ተሪፈን ምስክርነተን ከብ መንጎ ዝሃባ ሓንቲ፥ ክልተ ኣንሽቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሞባይል ስልኪ ኣብ ውሽጢ ስረአን ሓቢአን ብምፅንሐን ብሰይፊ ተሰይፈን ከምዝተቐተላ ንመርመርቲ ምዝራበን እቲ ፀብፃብ ብምሕባር ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንሳ እውን ተመሳሳሊ ተግባር እንተፈፂማ ተመሳሳሊ ዕድል ከምዘገጥማ ሰለስተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምዘጠንቀቕዋ ውንኣ ከሳብ ትስሕት ንሰለስተ ከምዝደፈርዋ ተዛሪባ።

ካብ ዓዲ ሃገራይ ብህይወት ተሪፋ ዝወፅአት ሓንቲ ሰበይቲ ሰራዊትምክልኻል ሃገር እውን ከምኡ ጥቅምት 2013፥ ሰለስተ ናይ  ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣባላት ገዝኣ ብምፍታሽ ከምዝቐትልዋ ምፍርርሖም መስኪራ።

ካብኡ ተመሊሶም ብምምፃእ ንሰለስተ ኮይኖም ከምዝደፈርዋ ብምዝራብ፥  ኤች አይቪ ክሕዘኒ ይኽእል ኢዩ ኢላ ምስጋኣን ይኹን እንበር ምርመራ ዘይምግባራን ኣሪባ።

ኣብቲ እዋን ደቂ ኣንስቲዮ ኣምሓራ ተፈሊየን ኣብ ሓደ ገዛ ንክቕመጣ ብምግባር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ እናውፅኡይደፍርወን ከምዝነበሩ ምስክርነታ ሂባ።

ካብ መንጎ እዚአን ሓንቲ ዝኾነት ነባሪት ዓዲ ሃገራይን ምስ ኣዲኣ ዝተጣፈአትን ጓል 16 ዓመት፥ 24 ጥቅምቲ  2013 ዓ.ም ሰባት እንትቕቱን ደቂ ኣንስቲዮ እንትቃፀላን ብምርኣያ ደንጊፃ ኣብ ምምላጥ እንተላ ሰስ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ደው ንከብልዋን ክልተ ወታደራት ኣእጋራ ብምሓዝ ሓደ ወታደር ከምዝገፈራ ተዛሪባ።

በዚ እውን ናይ ስነ እቦና ምቅዋስ ከምዘጋጠማን ብተደጋጋሚ ነቲ ነገር እናዘከረት ከምእትበኪን ገሊፃ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.