Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ናብ ዝግበር ሰለስተኣዊ ድርድር ንምምላስ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ናብ ዝግበር ሰለስተኣዊ ድርድር ንምምላስ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ኣመላልኣ ማይ እቲ ግድብ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምድርዳር ድሌት ኣለዋ ኢሎም።

እታ ሃገር እዚ ዝበለት፥ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓበደላ ሃምዶክን ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ምዝታዮም ስዒቡ ኢዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትራት፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይተዛዘሙ ዛዕባታት ንምዝዛምን ዝተዛብዐ ግንዛበ ዝነበሮም ጉዳያት ንምፅራይን ዝዓለመ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሓለዋ ከባቢያዊ ኣየር፣ ኩነታት ድሕንነት እቲ ግድብ፣ ምምዕርራይ ልውውጥ ሓበሬታን ብወገን ሱዳን ዝተለዓሉ ዛዕባታትን ምላሽ ተዋሂቡዎም ኢዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እዋናዊ ኩነታት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ ዝርከበሉ ብርኪ ህንፀት ገሊፆም።

ግብፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ወሲዳቶ ምንባራ ይፍለጥ።

ሆኖም ኢትዮጵያ የህዳሴ ግደብን ውሃ ለመሙላት የየትኛውንም ሀገር ፈቃድ እንደማያስፈልጋት እና ሙሌቱን እንደማታዘገይ ግልፅ አድርጋለች።

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ንምክያድ ናይ ዝኾነ ይኹን ሃገር ፍቓድ ከምዘየድሊያን ምልኢቱ ከምዘይተደንጉዮን እናገለፀት ትርከብ።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ግድብ ማይ ንመሓዝ ኣብዝኽእለሉ ብራኸ ምብፅሑን ነዚ ድማ ኣድላዪ ዘበለ ምድላው እናገበረ ምዃኑን ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ገሊፁ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.