Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንመንግስቲ ፌዴራል ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንመንግስቲ ፌዴራል ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ክረምቲ እናኣተወ ስለዝኾነ ሓረስቶት ትግራይ ስራሕቲ ሕርሸኦም ንኸሳልጡ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ናብ ተሓገዝቲ ንኽበፅሕ እዋኑ ዝምጥን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምፃእ መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኸግበር ሓቲቱ ኢዩ።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብዕሊ ሕትኡ ከቕርብ ዝኸኣለ፥ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ብዝምልከት ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፣ ኣመራርሓ ኣባላት ቢሮን ዞባታትን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፣ ምሁራን ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተኸታታሊ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሩ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብ መላእ ሃገር ዝፈፀሮ ዝተሓላለኸ ፀገም ወታደራዊ ጥራሕ እንተይኮነስ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣብርሃም፥ “ብመንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈላለዩ መፍትሒታት እናተወሰዱ ፀኒሖም ኢዮም” ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ሕጊ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ብሕጊ ዝረኣዩ ጉዳያት ብሕጊ መፍትሒ ንመሃብ ካብቲ ሓይሊ ጥፍኣት ገበነኛ ዝኾነ ፈሊኻ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ፖለቲካዊ ኣማራፂታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ መፍትሒ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ እምነት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሕዚ እውን ኩነታትን ግዚኡን ዝምጥን ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ክረምቲ ምስ ምእታዉ ተተሓሒዙ ኣብዚ ክረምቲ ዘርኢ ምዝራእን ናብ ቀፃሊ ስራሕቲ ሕርሻ ምእታው እንተተዘይተኻኢሉ ኣብ ማሕበረሰብ ዝፍጠር ፀገም ቀሊል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ሓረስቶት ትግራይ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ሕርሻ እንተዘይኣቲዮም እዋን ዘርኢ ስለዝሓልፍ ኣብ ቀፃሊ እቲ ሓረስታይ ንዓመታት ተሓጋዛይ ኮይኑ ናይ ምንባር ዕድል ከምዝገጥሞ ኣብሪሆም።

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ኣብርሃም፥ “ህወሓት ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ እንትሞትን መከራ እንትርኢን ጥራሕ ኢዩ፤ መንግስቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዝ ከየብፅሑ፣ ንሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢን መዳበርያን ከየቕርቡእናተዓናቐፈ ህዝቢ ጠምዩ እናበለ ባዕሉ ኢዩ ዘእዊ” ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝድለ ቦታ ንምብፃሕ፣ ስራሕቲ ሕርሻ ከይተኣጓጎል፣ ዝተመዛበሉ ተረጋጊኦም ናብ መረበቶም ንኅምለሱ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ኣማራፂ ስለዝድሊ ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከምዝተገበረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣገንዚቦም።

እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፥ ሓረስታይ ተረጋጊዑ ንኸሓርስ፣ ፀገም ዝበፅሖም ሰብኣዊ ሓገዝን ኣቑሑት ርዳእታን ንምብፃሕ፣ ተመዛበልቲ መንበሪኦም ፀጊንካ ናብ መረበቶም ንምምላስ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በረኻ ካብ ዘሎ ሓይሊ መገዲ ሰላም ዝደሊ ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶክተር ኣብራሃም፥ ነቲ ሓይሊ ዕድል ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ንህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክእልሽ ዝግበኦ መንግስቲ እምበር ንህዝቡ ዘይጭነቕ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ክኸውን ኣይኽእልን” ዝበሉ ዶክተር ኣብራሃም፥ ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ዝበለፀ ትዕግስተኛ ብምዃን ፖለቲካዊ መፍትሒታት ክህብ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ናብ መንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበ ሕቶ ረብሓ ህዝቢ ንምሕላው ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.