Fana: At a Speed of Life!

ግደ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ዝርከባ ዩንቨርስቲታት ዘድሃበ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ሓደ ትልሚ ሓደ ፀብፃብ፣ ንዝተዋደደ ተፋሰስ ኣባይ” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ግደ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ዝርከባ 10 ዩንቨርስቲታት ዘድሃበ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ምስ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ብምዃን ዘዳለዎ ኢዩ።

እተን መዩንቨርስቲታት ተፋሰስ ኣባይ ንምልማዕ ትፅቢት ዝግበረለን ንክዋፅኣ ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝብፅሐሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ፍሬው ተገኝ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እተመዝግቦ ዓወት ምስ ዓድዋ ተመሳሳልነት ኣለዎ ኢለን።

ኢትዮጵያውያን ብባዕዳዊ ገዛእቲ ንዘይምትሓዝ ነፃነቶም ንምሕላው ከምዝተቓለሱ ኩሉ ናይ ሐዚ ትውልዲ እውን ንባዕሉ ካብ ድኽነት ናፃ ንምውፃእ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪበነ።

ዋና ዳይሬክተር  ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ገድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ብግደኦም፥ ገድብ ህዳሰ ንህልውና ኢትዮጵያ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.