Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ንህዝቢ ሱዳን ተረባሕቲ ዝገብር ዓቢዪ ፕሮጀክት ኢዩ – መራሒ ጉጅለ ልኡኻት ሰብ ሃፍቲ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትያ ንህዝቢ ሱዳን ተረባሕቲ ዝገብር ዓቢዪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ መራሒ ጉጅለ ልኡኻት ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ታግለዲን ኣብዱልጃሲም ገሊፆም።

ጉጅለ ልኡኻት ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ካብ 12 መስከረም 2013 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እናገበሩ ይርከቡ።

ኣብቲ ዑደት ዝርከቡ መራሒ እቲ ጉጅለ ታግለዲን ኣብዱልጃሲም፥ ግድብ ህዳሰ ንሱዳን ተረባሒት ዝገብር ዓቢዪ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ብልምዓት ከተኣሳስር ዝኽእልን ክልተኣዊ ምትሕብባር ዘጠናኽርን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ክልቲአን ሃገራት ብደም ዝተኣሳሰረ ርክብ ከምዘለወን ኢዮም እቶም መራሒ ዝገለፁ።

ሚስተር ታግለዲን ኣብዱልጃሲም፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዎ ደረጃ ክብ ክብል ምግባር ይግባእ ኢሎም።

ክልቲአን ሃገራት ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ብተወሳኺ ኣብ ጥዕናን ካልኦት ዓውዲታትን ምትሕብባር ብምፍጣር ርክበን ከጠናኽራሎም ዝኽእላ ኣማራፂታት ከምዘለዉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.