Fana: At a Speed of Life!

ጎናዊ ሳዕቤን ደቂ ኣንስትዮ ዝጥቀምኦ ክሬም ቆርበት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ደቂ ኣንትዮ ቆርበት ገፀን ንምፅዕዳው ዝሕግዙ ክሬማት (ቅብኣታት)ይጥቀማ።

እቶም ክሬማት ሕጋውያንን ዘተኣማምኑን እንተዘይኮይኖም ግን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕናን ቆርበትን ሳዕቤን ከም ዘለዎም ሰብ-ሞያ ይዛረቡ።

ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካን እስያን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፥ ሕብሪ ቆርበተን ብርህ ዝበለ ንምግባር ብዝብል ብዙሕ ሳዕቤናት ዘለዎም ነገራት ይጥቀማ።

መረዳእታ ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፥ ኣብ ኣፍሪካ ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ እተን 4 ንቖርበት ዘፃዕድው ቅብኣታት ይጥቀማ።

ካብ ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ እተን 77 ሚኢታዊ፣ ቶጎ 59 ሚኢታዊ ደቡብ ኣፍሪካ ድማ 35 ሚኢታዊ ተጠቀምቲ ናይቶም ገፅ ዘፃዕድዉ ቅብኣታት እየን።

ሰባት ነቶም ፍርያት ንምጥቃም ዘለዎም ድልየት እናወሰኸ ብዝመፅአ ቁፅሪ፥ እቶም ሳዕቤናት’ውን ብኡ መጠን ይውስኹ።

ኣብዚ ጉዳይ ስጡም ሕጊ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪካ እያ። ጋምቢያ፣ ኮትዲቫርን ሩዋንዳን ነቲ ኣብ ሰብነትና ዝፍጠር ‘ሜላኒን’ ዝተበሃለ ንጥረ-ነገር ክንክይ ዝገብሩን ኣብ ልዕሊ ቆርበት ቀዋሚ ዝኾነ ጉድኣት ዘስዕቡን ፍርያት ናብ ሃገራተን ከይኣትው ኣጊደን’የን።

ማዕዳ ሰብ ሞያ

ንሕብሪ ቆርበት ብዝብል ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዝውዕሉ ፍርያት ገሊኦም ብትእዛዝን ክትትልን በዓል-ሞያ ዝወሃቡ ምዃኖም ትካል ጥዕና ቆርበት እንግሊዝ ይሕብር።

ገሊኦም ከኣ ብዘይትእዛዝን ክትትልን በዓል ሞያ ክውሰዱ ከም ዘይክእሉ የመልክት።

ቆርበት ንምፅዕዳው ዝሕግዝ ብዝብል ኣፍልጦ ዝተወሃቦን ዘተኣማምንን ዓይነት ሜክኣፕ ወይ ቀለም ከም ዘየለ’ውን ሓቢሩ።

ንቖርበት ተፈጥሮኣዊ ካብ ዝኾነ ኣካይዳ ወፃኢ ከፃዕድዉ ወይ ከፀልሙ ካብ ምኽኣሎም ብተወሳኺ ንተፈጥሮኣዊ ፅባቐ ቆርበት ከጥፍኡ ይኽእሉ እዮም።

ጎናዊ ሳዕቤናት

ካብ መምርሕን ክትትልን በዓል-ሞያ ወፃእ ንቖርበት ዘፃዕድዉ ፍርያት ዝጥቀሙ ሰባት፥ ነቶም ቀፂሎም ዘለዉ ጎናዊ ሳዕቤናት ክቃልዑ ይኽእሉ ኢዮም።

  • ሕበጥን ምብልሻውን ቆርበት
  • ምቅጻልን ምስሓይን
  • ሕኸኽን ምስንጣቕን ቆርበት

ሜርኩሪ

ሜርኩሪ ዝተፈላለዩ ፀገማት ጥዕና ከስዕብ ዝኽእል መርዚ’ዪ ክብሉ ወሃቢ ቓል ትካል ጥዕና ቆርበት እንግሊዝ ኣሌክሳንድሮፍ ይዛረቡ።

ንቖርበት የፃዕድዉ ኣብ ዝበሃሉ ክሬማትን ሳሙናታትን ዝርከብ ሜሪኩሪ ነዞም ፀገማት ጥዕና የምፅእ።

  • ጸገም ጥዕና ኩላሊት
  • ምዝባዕ ሕብሪ ቆርበትን በሰላን
  • ምንካይ ዓቕሚ ምክልኻል ባክቴርያታትን ረኽሲታትን
  • ጭንቀት፣ ቅዛነትን ካልእ ጸገም ጥዕና ኣእምሮን ድብርት ወይም ሌላ የአእምሮ ችግር

ፍልፍል፥ ትካል ጥዕና ዓለም

 

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.