Fana: At a Speed of Life!

ጨፌ ኦሮሚያ ብር 90 ቢሊየን ኮይኑ ዝቐረበሉ በጀት ዓመተ 2013 እቲ ክልል ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጨፌ ኦሮሚያ ብር 90 ቢሊየን ኮይኑ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዓመተ 2013 ኣፅዲቑ።

እቲ ጨፌ 5ይ ዓመት፣ 5ይ ዘበን ስራሕ፣ መበል 12 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ንኽልተ መዓልቲ ከሳልጥ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብቲ ኣኼቡኡ ድማ ብር 90 ቢሊየን ኮይኑ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዓመተ 2013 ተመልኪቱ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ብምሉእ ድምፂ ከፅድቖ ክኢሉ።

ጨፌ ኦሮሚያ ብተወሳኺ ተወሳኺ በጀት ብር 8 ነጥቢ 7 ዓመተ 2012 ብዝርዝር ተመልኪቱ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኢዩ።

እቲ ጨፌ ኣብ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝቐረበሉ ሽመት ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታት ተቐቢሉ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ዶክተር መንግስቱ በቀለ፥ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ
2. ኣይተ ታረቀኝ ቡሉልታ፥ ሓላፊ ቢሮ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ክልል ኦሮሚያ

3. ወይዘሮ መስከረም ኣበበ፥ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ እቶት ክልል ኦሮሚያ

4. ኣይተ አሕመድ ሰይድ ዑመር፥ ሓላፊ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ሕበራት ክልል ኦሮሚያኮይኖም ተሸይሞም።

ጨፌ ኦሮሚያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ንዝተጓደሉ ሰለስተ ኣባላት ፌዴሬሽን ዝትክኡ ሓደሽቲ ኣባላት እውን መሪፁ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፦

1 . ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ

2 ኣይተ ሳዳት ነሻ

3 ኣይተ ኣብዱል ሓኪም ኣባላት ባይቶ ፌዴሬሽን ኮይኖም ንኸገልግሉ ተመሪፆም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝተጓደሉ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ዝትክኡ ኣይተ ጀግናው ግዛው፣ ወይዘሮ ሽታዬ ለማን ወይዘሮ ሲቲና በዳሶን መሪፁ ኢዩ።

እቶም ተሸምቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጨፌ ቀሪቦም ቃል መሓላ ፈፂሞም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.