Fana: At a Speed of Life!

ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ናብ ስልጠና ተሃድሶ ንዝኣተዉ ሰልጠንቲ ኣቀባብላ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ስልጠና ተሃድሶ ንዝኣተዉ ሰልጠንቲ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣቀባብላ ተገይሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው፣ ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌ/ጀ መሓመድ ተሰማን ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሌ/ጀ ብርሃኑ በቀለን ተረኺቦም።

ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው ኣብቲ እዋን÷ ሰልጠንቲ ተሃድሶ ውግንነኦም ንሕገ-መንግስቲን ህዝቢን ከምዝኾ ብምእማንን ብምቕባልን ስለዝመፅኡ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

ሌ/ጀ ብርሀኑ በቀለ ብግደኦም÷ ሃገርን ህዝቢን ንምኽሓስ ዳግም ዝረኸብኩምዎ ዕድል ብግቡእ ብምጥቃም ዘብዒ ሃገርኩም ደው ክትብሉ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሰልጠንቲ ተሃድሶ ንህዝቢ እቲ ክልልን ሃገሮምን ንምሕላው ቃል ምእታዎም ሓበሬታ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.