Fana: At a Speed of Life!

ፅሬትን ተበፃሕነትን መሰረተ ልምዓታት ብምርግጋፅ ጥንኩር ስርዓትን ሃገርን ክንሃንፅ ኢና – መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬትን ተበፃሕነትን መሰረተ ልምዓታት ብምርግጋፅ ጥንኩር ስርዓትን ሃገርን ክንሃንፅ ኢና ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኦሮሚያ ገሊፁ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብዚ ዓመት ንማሕበረሰብ ተረባሕቲ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምህናፅ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ንኣብነት ድማ ኣብዚ በጀት ዓመት ካብ ዘዘዝተሰርሑ ቀንዲ ቀንዲ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣቢያተ ትምሀርቲ፣ ድልድላት፣ መስመራት ኤሌክትሪክ፣ መገዲታት፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ሆስፒታላት፣ ጥዕና ኬላታት፣ መስኖ፣ መወገዲ ውሕጅን ካልኦትን ከምዝርከቡዎም ኣብ መግለፂኡ ተመልኪቱ፡፡

ንመህነፂ እቶም ፕሮጀክታት ልምዓ ልዕሊ 42 ቢሊየን 650 ሚሊየን 473 ሺሕ ብር ወፃ ከምዝተገበሮም እውን ገሊፁ፡፡

እቲ ክልል ዝተፈጠሩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ብምፅዋር ዝተጀመሩ ፕሮጀክታ ብዓወት ናይ ምዝዛም ተሞክሮ እውን ኣብ ቀጻሊ ተጠናኺ ክቕፅ ከምዝግባእ ምሕባሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ህዝቢ እቲ ክልል ዝተሰርሑ መሰረተ ልምዓታ ብጥንቃቐ ኣብ ምግልጋልን ምሕላውን ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.