Fana: At a Speed of Life!

ፅንዓትን ጅግንነትን ዋዕሮታት ትግራይ ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች ኤይት) ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፥ ፅንዓትን ጅግንነትን ዋዕሮታት ትግራይ ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

በዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ “ምኽባር መሰልን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ሰላምናን ህላወናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ዓለም ንመበል 109 ግዘ፣ ብብርኪ ሃገርን ክልልን ድማ ንመበል 44 ግዘ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ካብዚ ቀፂሉ ቀሪቡ ኣሎ፦

ፅንዓትን፣ ጅግንነትን፣ ዋዕሮታት ትግራይና- ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና!!

ቅድሚ ኹሉን፣ ልዕሊ ኹሉን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ሎሚ ዓመት “ምኽባር መሰልን፣ ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ መሰረት፣ ሰላምናን ህላወናን” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ብብርኪ ዓለም ንመበል 109 ጊዜ፣ ብብርኪ ሃገርን ክልልናን ድማ ንመበል 44 ጊዜ፣ በቢዓመቱ 29 ለካቲት፣ ንዝኽረ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች ኤት)፣ እንኳዕ ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ይብል።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ብሽም መንግስቲ፣ ህዝብን ትግራይ፣ መልእኽቲ ሰናይ በዓል እንተመሓላልፍ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይና፣ በቢመዋእሉ፣ ብድርብ ቃልሲ፣ ንዘመዝገበኦ፣ ኩለ-መዳያዊ ዓወታትን ንዝፅሓፈኦ መስተንክር ታሪኽን፣ ዘለዎ ክብርን ናእዳን ዝለዓለ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ይገልፅ።

ሎሚ ዓመት እነኽብሮ፣ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ኣብ ፅባሕ መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት ብምዃኑ፣ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ንዋዕሮታት ደቂ ትግራይና ዘለዎ ትርጉም ዓብዪ እዩ።

ናይ ሩሑቕ ግዜ ገዲፍና፣ ኣብ ዝሓለፉ 45 ዓመታት፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይና፣ ዝገበረኦ ቃልስን፣ ዘመዝገበኦ፣ ዓወታትን፣ ብሓፂሩ ብደመን ረሃፀን፣ ፍልጠትን፣ ጉልበትን፣ ገንዘብን፣ ዝፀሓፈኦ ዘይሃስስ ንዘለኣለም ዝዝንተው፣ ድሙቕ ታሪኽ፣ ዘርዚርካ ንምግላፅ ዘኽእል ቃላት ይሓፅር እዩ፣ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን፡፡ እንተኾነ ዋዕሮታት ትግራይና፣ ኣብ ዝሓለፉ 45 ናይ ቃልሲን ዓወታትን ፣ዓመታት፣ ብፍላይ እቲ ካብ 11 ለካቲት 1967 ክሳብ፣ 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም ማለት፣ ን17 ዓመታት፣ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን፣ ብውፅኢት እንትዕቀን፣ ግን ጥዑም ጉዕዞ፣ እጃመን ኣወፍየን እየን።

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ሰላሳን ሓሙሽተን ሚኢታዊ ኮይነን፣ መራሕቲ ፖለቲካ፣ ኮማንደራት ሰራዊት፣ተዋጋእትን መዋጋእትን፣ ኮታስ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ፣ ህዝባዊ ቃልስና መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ምዃነን ብተግባር ኣመስኪረን እየን፡፡ እዚአን ናብ ሜዳ ወሪደን ተጋዲለን፣ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ብፆተን ኣንፃር ደርጊ ዝተኳሽሓ እየን።

እተን ኣብ ሓራ መሬትና፣ ከምኡ እውን፣ ወታደራት ደርግን ባንዳታትን ውፅእ እትው ዝብሉለን ዝነበራ፣ ኣናእሽተይ ከተማታት፣ ወረዳታት፣ ጣብያታትን ቁሸታትን ዝነበራ፣ ሽግ ወያናይ፣ ኳደረ፣ ምልሻ ወዘተ ኮይነን፣ ብሓደ ኢደን ጠበንጃ ዓጢቐን ብምውጋእን፣ በቲ ካሊእ ስራሕቲ ጣጣ ጉጂ ብምውጋን፣ ግቡአን ኣወፍየን፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና መስርዕ ከይዛሪ ጥይት ብግንባርካ እምበር ብሕቖ ከይትኣትው ኢለን ንውሉደን መሪቐን ልኢኸን እየን።

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ከተማ ኣብ ስርዒት ተወዲበን ዝነበራ እውን ኣብ ጓጓ ደርጊ ኮይነን፣ ማእሰርትን ኣረሜናዊ ጭፍጨፋን፣ መርሸንትን ደርግ ድንብርፅ ከይበላን ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ከፊለን እየን።

ኣብ ወፃኢ ዓድታት ዝነብራ እውን ተመሳሳሊ ጅግንነት ሰሪሐን እየን፡፡ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ዝነበራ፣ ዋዕሮታት ደቂ ትግራይ፣ ተኣሲረን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ዝሰርሓሉ ታሪኽ እዩ።

ብድማር፣ ዋዕሮታት ትግራይ፣ ኣብ ሜዳ ትግራይ፣ ኣብ ስርዒት ተወዲበን፣ ዝገበረኦ ተጋድሎን፣ ዝፀሓፈኦ መስደመም ቅያን፣ ምናልባሽ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፣ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተፈፀሙ መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነት ተባሂሉ ካብ ዝጥቀሱ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን፡፡ ዋዕሮታት ትግራይ፣ ዝፈፀመኦ ብግቡእ ዘይተዘረበ እምበር ዘይፈፀመኦ ዕማም የለን።

ብሓፂሩ ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ሰብ ሰራሕትን ተፈጥርኣዊ ፀገማትን መኪተን ካብአን ዝድለይ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት፣ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና እውን ደጊመንኦ እየን።

ብፍላይ መደባት ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምዕዋት፣ ኣብ ሑቐአን ቆልዓ ሓዚለን፣ ኣብ ኣፍ ልበን ልዕሊ ኪሎኦን ዝኾነ ደንጎላ ተሸኪመን፣ ብሓፂሩ ሓመድ ተኸዲነን፣ ሓመድን ማይን ብምዕቃብ፣ ትግራይና ሓምለዋይ እስትራቴጂና ከተዐውት ዝለዓለ እጃም ብምውፋይ ዓድና ኣብ ዓለም ክትሽለም ዝኸፈለኦ፣ ብገንዘብ ዘይዕቀን፣ መስዋእቲ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ተምሳሌት ኮይኑ እዩ፡፡ በዚ ዘሕብን ዘኹርዕን ተግባረን ድማ ደጊምና ደጋጊምና ኣገንዕ ክንብለን ይግባእ።

ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ምስ ጠላማትን ባንዳታትን ግንባር ፈጢሮም፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይና ዘሳውርዎም ሽርሕታት፣ ኣብ ምፍሻል እጃመን ኣወፍየን እየን፡፡ ብዋናነት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይና፣ ብኦንላይን ሚድያ ዘካየደኦ ቃልሲ ኣረኣእያ፣ ሓይልታት ትምክሕቲ ርእሶም ክደፍኡ ገይረን እየን።

ኣብ ስደት፣ ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይና፣ ናብራ ስደት ከየሰኮነን፣ ንትግራይና ገንዘብ ካብ ምውፋይ ብተወሳኺ፣ ኣብታ ዘላተን ሓፃር ሰዓት ዕረፍቲ ክነዕርፍ፣ ክንድቅስ ከይበላ፣ ብዘለወን ዓቕሚ ብኢንተርኔት፣ ታሪኽ ዘይርሰዖ ግጥም ኣረኣእያ ኣካይደን እየን፡፡ እዚ ተግባር፣ ኣሓትና ሓዊስካ ሕድሕድ ወዲ ትግራይ ኣብ ዘለዎ ይሃልው፣ ኣብ መንነታ፣ ውሕስነታን ሃለዋትን ትግራይና ዘይደራደር ምዃኑ እዩ።

ብሓፂሩ በዚ ዘይተሓለለ ቃልሲ፣ ዋዕሮታት ኣሓትና ድማ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዝስመዖ ክብሪ ዝለዓለ እዩ።

ዋዕሮታት ትግራይና፣ ብድርብ ቃልስን፣ እቲ ማጀት እውን፣ እቲ ኣደባባይ እውን፣ ናይ ባዕለን ገይረን ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ማዕርነተን፣ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና ክህልዎ ገይረን እየን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት እውን ተጠቀምቲ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ኮይነን እየን፡፡ ብፖለቲካዊ መዳይ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ከምኡ እውን፣ ኣብ ስራሕ ፈፃሚ (ካብኔ)፣ ትግራይና፣ ማለት ኣብ ክልቲኦም ኣካላት ሓምሳ ሚኢታዊ ቦታ ክህልወን ብዝገብረኦ ቃልሲ ተዓወቲ ኮይነን እየን።

ኮይኑ ግና ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ክራይ ኣካብነትን፣ ከምኡ እውን ትምክሕቲ ወዲ ተባዕታይ ዝወለዶም፣ ክትፍፅሞ ይትረፍ፣ ክትሰምዖም ዘሕፍሩ ማእለያ ዘይብሎም ፆታዊ ጥቕዓታት፣ ኣብ ዋዕሮታት ትግራይና ይበፅሕ ኣሎ።

ብቓልሰን ዘረጋገፀኦ፣ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፣ ዋንነት፣ መሬተን፣ብረሃፀን ዘጥረየኦ ዝርካቡ ሃፍተን፣ ብሓይልን ሽርሒን ዝምንዝዕን፣ ዝምንጥልን እኩይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዋዕሮታትና ይፍፀሙ ኣለው።

እዞም ብስሱዓትን ሃንጎሪማታትን ዝፍፀሙ ዘለው ፀያፍ ተግባራት፣ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ንደቂ ተባዕትዮ እውን ናብ ሓደጋ ዘእትውዎም እዮም፡፡ ብሓፂሩ እዚ ኣብ ዋዕሮታትና ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ መንግስትን ህዝብ ትግራይን ዝተዋደቐሉን፣ ዝወደቐሉን፣ ዘለዎ ልምዓታዊን ዴሞክራስያዊን መስመርና ሸርሺሩ፣ መንነትን፣ ድሕንነትን፣ ትግራይና ንሓደጋ ኣሳጢሑ ንህዝብና ኣደዳ ፀላኢ ዝገብር ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ።

ስለዝኾነ፣ እቶም ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ክመልሱና፣ ኣብ ዋዕሮታት ትግራይና፣ ዝፍፀሙ ዘለው ፆታዊ ጥቕዓታት፣ ከም ወትሮ ቀላፅምና ጠሚርና ብዘይ ንሕስያ ክንቃለሶም ይግባእ፡፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግቲ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ድኽነት ንምቕናስ፣ ብቐንዱ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንኽረጋጋዕ፣ ኣብ ትልሚ ዲሞክራይታይዜሽን ትራንስፎርሞሽን ዝሓዞም መደባት ንምዕዋት ፅንዓትን፣ ጅግንነትን ዋዕሮታት – ትግራይና ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና ዝኾነ መስተንክር ቅያ፣ ተዓቂቡ ንቕድሚት ክስጉም ግቡእ ኣመራርሓ ከም ዝህብ የፍልጥ፡፡ ሰናይ በዓል ዕለት ደቂ ኣንስትዮ ክኾነልና ድማ ይምነ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ

መቐለ፡ 27 ለካቲት 2012 ዓ/ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.