Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ባኒ ሸገር ብዕሊ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ ሰርዓት ምርቓት ፋብሪካ ባኒ ሸገር ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ሓደ ሰዓት 80 ሺሕ ባኒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሰለስተ ፈረቓ ክሳብ 2 ሚሊየን ባኒ ዘፍሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስነ ስርዓት ምርቓት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ላዕኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም።

እቲ ፋብሪካ ኣብ 41 ሺሕ ካሬ ሜትር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ካብ ምፍራይ ባኒ ብተወሳኺ ፋርኪ ሕሩጭ ስንዳይ እውን ዘለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ ስነስርዓት ምርቓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቲ ፋብሪካ ባኒ ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብምግባ ዓርስና ናይ ምኽኣል ባህግና፣ ካብ ድኽነት ናይ ምውፃእ ፃምእናን ጎደና ብልፅግናን ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ፋብሪካ ሃኒፅካ ምምራቕ ኣይሕሰብን ነይሩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሚድሮክ ካብ ዝነበሮ ድኽመት ወፂኡ እቲ ፋብሪካ በዚ ቕልጣፈ እዚ ምዝዛሙ8 ንካልኦት ትምህርቲ ዝኸውን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ ስንዳይ ካብ ወፃኢ ዓዲ ምእታው ደው ናይ ምባል ድልየት ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ነዚ ዝኸውን ናይ ፈተነ ምህርቲታት ምጅማሩ ኣፍሊጦም

ስንዳይ ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ምቕያር ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ተመሳሰልቲ ፋብሪካታት ሕሩጭ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ከተማታት ክልል ንምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎን ነዚ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካልኦት ከተማታት እቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረት ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.