Fana: At a Speed of Life!

ፍርያታት ውሽጢ ሃገር ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ክስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 19፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያታት ውሽጢ ሃገር ፅሬቶም ብምርግጋፅ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ተኪኦም ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ክስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣብ ስትራቴጅ ሰነድ ተካእቲ ፍርያታት ብምጥማት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ወነንቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ልዝብ  የካይድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ብፅሒት ዕዳጋ ተካእቲ ፍርያታት ክብ ብምባል ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብውሽጢ ሃገር ምትካእ ንኽከኣል ተወዳዳራይነቶም ዘኽእል ሃዋህው ምፍጣር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ዕላማ እቲ ስትራቴጅ ሰነድ ተካእቲ ፍርያታት እውን ኣብ ኣፍረይቲ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኣጋጣሚ ዕዳጋ ብምጥቃም ፍርያቶም ኣብቲ ዕዳጋ ተኻፈልቲ ንኽገብሩ ምኽኣል እንትኸውን÷ እዚ ንምግባር ፍርያት ወፃኢ ሃገር ብፍርያት ውሽቲ ሃገር ምትካእ ዝከኣለሉ ዕድል ምዕባይ ከምዝግባእ ተላዒሉ፡፡

ብይስማው ኣደራው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.