Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ኢንቨስትመንት ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ኣብ ምስሓብ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝተኻየደ ፎረም ኢንቨስትመንት ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ዕድል ፈጢሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝነበረ “ፎረም ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሌሊሴ ነሜ÷ እቲ ፎረም ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምፍላጥ ዝተኸኣለሉ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

በዚ ድማ ሓደሽቲ ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ናብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ንኸኣትዉ ዕድል ዝፈጠረ ምንባሩ ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡

ሓሙሽተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኩባንያታት ስምምዕነት ኢንቨስትመንት ብምግባር እቲ ፎረም ብዓወት ከምዝተዘዘመ ኣመልኪን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.