Fana: At a Speed of Life!

ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ሓዱሽ ሃገራዊ ፍቓድ ቴሌኮም በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ንክወሃቦ ተወሲኑ

አዲስ አበባ ፣ ግንቦት 14 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ሓዱሽ ሃገራዊ ፍቓድ ቴሌኮም በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ንክወሃቦ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም፥ “ልዑል ክፍሊት ዋጋ ፍቓድን ኣተኣማመኒ ትልሚ መዋእለ ንዋይን ንዘቕረበ ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ሓዱሽ ሃገራዊ ፍቓድ ቴሌኮም በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ንክወሃቦ ብሓደ ድምፂ ተወሲኑ ኣሎ” ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ብሓፈሻ ልዕሊ 8 ቢሊየን ዶላር መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ዝገብር እንትኸውን፥ እዚ ድማ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተገበሩ ቀጥታ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዓብላልነት ንክህልዎ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣገልግሎት ናይ ምእታው ትልምታት መስመር ምሓዞም ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ግልፅነትን ውፅኢታውነትን ዝተማልኦ ከይዲ ንዘዐወቱ ኣካላት አመስጊኖም።

ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጡ ናይ እንግሊዝ ቮዳፎን፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ  ቮዳኮም፣ ናይ ኬንያ ሳፋሪ ኮምን ናይ ጃፓን ሱሚሞቶን ዝሓዘ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.