Fana: At a Speed of Life!

ፓርኪታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ዘፈር ሕርሻን ኢንዱስትሪ ንመዝማን ከምኡ እውን ንምትእስሳር ብዙሓት ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሬታ ሰዋስው ከምዝገለፀኦ፥ ኢንዱስትሪታት መቀነባበሪ ሕርሻ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ብምግባር ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ከዕብዩ ንኽእሉ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡

በተን ሚኒስትር ዲኤታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሲዳማን ዝርከቡ ዝተዋደደ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ሕርሻ ቡልቡላን ይርጋለምን ዑደት ኣካይዱ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሰመሬታ ሰዋስው ኣብቲ እዋን ዑደት፥ እቶም ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ካብ ዝፈጥርሩዎ ዕድል ስራሕ ብተወሳኺ ሓረስቶት ምስ ዝሐሸ ሜላ ምፍራይ ንኅፋለጥን ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ብዝሐሸ ዋጋ ንኽሸጡን ዝሕግዝ ኢዩ አለን፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ተወካሊት ኢትዮጵያ ኦሬሊያ ፓትሪዛ ብግደአን፥ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ካብ ወፃኢ ዝኣተው ፍርያታት ብፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ካብ ምትካእ ብተወሳኺ ፅሬትን ተወዳዳራይነትን ብምቕራብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ዕድል ዕዳጋ ክቀሙ ይግባእ ምባለን ካብ ሚኒስቴር ገንብ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.