Fana: At a Speed of Life!

ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምቹኣት ከምዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምቹኣት ከምዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ገሊፆም።

እቶም ኣብ ፎሮም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ጃፓን ዝተሳተፉ ሰብ ሃፍቲ፥ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚን ቂሊንጦን ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ መሰረተ ልምዓት እቶም ፓርክታት፣ ምንቅስቓስ ስራሕ ከምኡውን ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ተዓዚቦም።

ኣብቶም ፓርክታት መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ብዛዕባ ዝገብሩሉን ዝግበረሎም መተባብዒን ዝጠመተ መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ዘመን ጁነዲን፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዝፀንሐ ርክብ ንምጥንኻርንብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ንምትእንጋድ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ብግደኦም፥ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምቹኣት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.