Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ኮምቦልቻ ልዕሊ 7 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዘምፀአ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ኮምቦልቻ ናብ ወፃኢ ካብ ዝለኣኾም ፍርያታት ልዕሊ 7 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ምምፅኡ ገሊፁ።

ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ 7 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ዘምፅኡ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ተሊሙ ልዕሊ 7 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ኣሕመድ ሰይድ ተዛሪቦም።

ብግብረ ራዕዲ ጉጅለ ልዑል ዕንወት ዝበፅሖ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኮምቦልቻ ናብ ስራሕ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝሃቦ ኣገልግሎት ልዕሊ 3 ሚሊየን ዶላር ዘውፅኡ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ከምዝለኣኸ ተዛሪቦም።

ናብ ወፃ ካብ ዝተለኣኹ ቀንዲ ቀንዲ ፍርያታት ድማ ሙሉእ ክዳን ደቂ ተባዕትዮ፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቦርሳን ስፖርት ክዳውንቲን ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም መካየዲ ስራሕ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፓርክ ን2 ሺሕን 72 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣሩ ገሊፆም።

ብኣንድነት ናሁሰናይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.