Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ብመደረ ከፊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም እናተኻየደ ዝርከብን ኣብ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ትኹረት ዝገበረን ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዐን።

እቲ ጉባኤ ብፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሓሰንን ዋና ፀሓፊ ናፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ነበርን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሓላፍነት ዝርከባ ፕሬዚዳንታትን ምክትል ፕሬዚዳንታትን ሃገራት ኣፍሪካ ተዓዲምቲ ኮይነን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብርበብ ሓበሬታ ንተሳተፍቲ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ እንትኾና፥ እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሰለስተ መዓልቲታት ክፀንሕ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ “ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣንቀሳቐስቲ ናፃ ንግዲ ዞባዊ ኣፍሪካ ኢዮም” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ከምዝርከብ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

 

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

 

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.