Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ኣብ ኳታር ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሃሙድ ኣብ ኳታር ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ብመሰረት ካብ ኤሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ዝቀረበሎም እንግዶት ኢዮ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ኣብ ኳታር ዶሃ ዘሳልጡ ዘለዉ።

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈር ሃማድ አንትበፅሑ ሚኒስትር ባህሊ ኳታር ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ምስ ኤሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ትምህርቲን ወዘተ ዝጠመተ ዘተ ከምዝገብሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳነት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.