Fana: At a Speed of Life!

11 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ከምዝተገበረ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ከምዝተገበረ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ፡፡

ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ መጠቓለሊ ገምጋም÷ ፀገማት ብምፍታሽ ጥንካረ ክቕፅል ንምግባርን ብክፍተት ዝተፈለዩ ንምእራምን መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሙ።

ኣብቲ መዛዘሚ ገምጋም ዝተረኸቡ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ “ሕጊን ህገ-መንግስታዊ ስርዓትን እታ ሃገር ምኽባት ተቀዳማይ ተግባባርና ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ግብረ ራዕዳውያን ሕልሞም ብምፍሻልን ሃገር ኣብ ምፅናዕን ብዙሓት ተግባራት ከምዝተወገኑ ገሊፆም።

ዓበይቲ ሃፍቲ ሃገር ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታትን ዩኒቨርሲቲታትን ሓዊሱ ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ብምሕላው ከምኡ እውን መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ብሰላም ክዛዘም ኣብ ምግባር ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ከምዝተገበረ ምዝኽኻሮም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.