Fana: At a Speed of Life!

34 ካፒቴናት ባቡር ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ 34 ካፒቴናት ባቡር ኣመሪቑ።

እቶም ካፒቴናት ንኽልተ ዓመታት ስልጠና ዝረኸቡ እንትኸውን፥ ን6 ኣዋርሕ ናብ ቻይና ከይዶም ናይ ተግባር ልምምድ ምግባሮም ተገሊፁ።

CCECን CERCን ዝተብሃሉ ኩባኒያታት ቻይና ብጣምራ ምስቲ ኣክሲዮን ማሕበር ብመሰረት ዘኣተዉዎ ውዕሊ፥ ስግግር ቴክኖሎጂን ፍልጠትን ንምፍጣር ዝሕግዝ ስልጠና ብመሃብ ከምዝተመረቑ ተሓቢሩ።

በምረቃ ሥነ-ሥርዓቱ ላይ የተገኙት የትራንስፖርት ሚኒስትር ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፤ በኢትዮጵያ የባቡር ዘርፉ ዕድገት እያስመዘገበ መሆኑን ገልጸው በ2011 ዓ.ም 821 ሺህ ቶን የነበረው የማንሣት አቅም በ2012 ወደ 1 ነጥብ 03 ሚሊየን ቶን ዕድገት አሳይቷል ብለዋል

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸባ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማት ሞገስ፥ ዘፈር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮጵያ ዕቤት እናመዝገበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ 2011 ዓ.ም 821 ሺሕ ቶን ዝነበረ ናይ ምጉዕዓዝ ዓቕሚ ኣብ 2012 ዓ.ም ናብ 1 ነጥቢ 03 ሚሊየን ቶን ክብ ክብል ክኢሉ ኢለን።

ተመረቕቲ ካብ ስልጠና ዝረኸቡዎ ፍልጠትን ክእለትን ተጠቒሞም ሃገር ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ እተን ሚኒስቴር ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.