Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ÷ “ጥፍኣተኛ ካብ ሰላማዊ ዜጋታት ምፍላይ ከምዘድሊ፤ ንሕና ተጋሩ ብኢትዮጵያ ኣይንደራደርን፤ ደለይቲ ሰላም ህዝቢ ስለዝኾንና ምስ ካልኦት ህዝቢታት ብሓባር ኮይንና ነቲ ጉጅለ ክንቃለሶ ኢና” ኢሎም።

ሰላም እታ ከተማ ኢሉ እውን ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ትፅቢት ዝግበረሎም ነገር ከምዝሰርሑ ብምሕባር÷ መንግስቲ ዘቕረቦ ኣማራፂ ሰላም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክቕበሎ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኸፍአ ፀገም ከምዘይበፅሖም ይኹን እምበር ጅምላዊ ወቐሳ ስለዘሎ ኣብ ቀፃሊ ክመሓየሸ ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና እቲ ክልል ላክዴር ላክባክ ብግደኦም÷ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝቢታት ብሓባር ኮይኑ ንሓድነት ሃገር፣ ንሰላምን ኩለመዳይ ህንፀፅ ሃገርን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ዝነበረ ህዝቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ናይ ባዕሉ ኣሰር እናዕረፈ ንኢትዮጵያ ኣብ ምስጋር ከይዲ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ክዋፃእ ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክኹንኑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ ጉጅለ ንብዙሓት ዓማውቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓለወ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ብምፍፃሙ፤ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘቖጠዐ ምግላፁ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.