Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 55 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 20 ሺሕን 778 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 804 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 55 ሺሕን 213 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 10 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 856 በፂሑ ኣሎ።

ትማሊ 380 ሰባት ካብቲ ሕማም ሐሺዎም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 20 ሺሕን 283 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም 34 ሺሕን 72 እንትኾን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 306 ሰባት ብፅኑዕ ዘሓሙ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.