Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ በሪታታ ንቱሪዝም ክፍቲ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚራ በሪታታ ንቱሪዝም ክፍቲ ከምእትገብር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣይተ ስለሺ ግርማ ከምዝበልዎ፥ ቫይረስኮሮና ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ፅዕንቱ ኣሕዲሩ ፀኒሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ንሆቴላት ብትሑት ወለድ ልቓሕ ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ብዙሓት ደገፋት እናገበረ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ሆቴላትን ቱሪዝም መዕረፍቲ ቦታታትን ዓፂኻ ምቕፃል ከምዘይከኣል ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ብጥንቃቐ ምክልኻል ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ በሪታታ ንቱሪዝም ክፍቲ ንምግባር ዘኽአል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.