Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ምንቅስቓስ እቶትን ምሃብ ኣፍልጦን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ግብሪ ንኽብሪ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ምንቅስቓስ እቶትን ምሃብ ኣፍልጦን የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣብ ዘበን ግብሪ 2014 ትፅቢት ዝግበረሎም ግቡእ ግብሪ ብተኣማንነትን ብእዋኑን ንዝኸፈሉ 300 ከፈልቲ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝወሃብ ተገሊፁ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.