Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ተቋሪፁ ዝፀንሐ በረራ ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ዋና ፈፃሚ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ናብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቅድሚ ሕዚ መዓልታዊ በረራታት ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ኣገልግሎት ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም÷ እቲ መገዲ ኣየር እናሃቦም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ካብ ምሃብ ሓሊፉ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ካብ ሞንጎ ዝርከባ ኤርፖርታት፤ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ስለዝርከባ ንበረራ ምቹዋት ከምዝኾና ፀሪሖም።

መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ግን ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖ ስለዝኾነ ንበረራ ዘኽእል ፅገና ከምዘድልዮ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.