Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ሽልማታት መገዲ ኣየር ዓለም ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ስካይትራስክ 2022 መገዲ ኣየር ዓለም ኣርባዕተ ሽልማታት ተዓዊቱ።

እቲ መገዲ ኣየር 11 ደረጃታት ብምምሕያሽ ካብ 100 ብሉፃት መገዲ ኣየራት ዓለም መበል 26 ደረጃ ከምዘተቐመጠ ተገሊፁ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዓማዊል መገዲ ኣየራት ብዝተውሃበ ድምፂ ክዝኾነ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

በዚ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዓማውቲ ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2022፣ ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓመታት ብሉፅ መገዲ ኣየር ደረጃ ቢዝነስ፣ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓማውቲ ብሉፅ መገዲ ኣየር ቁጠባዊ ሃፍቲ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ኣብ ቢዝነስ ክላስ ኣቕራቢ ምግቢ ኮይኑ ተዓዊቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.