Fana: At a Speed of Life!

ስለ ምንታይ ንድቅስ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመራመርቲ ክሳብ ሐዚ  ነዚ ሕቶ ዝኸውን ውዱእ መልሲ የብሎምን።

ግን ክኣ ድቃስ ሓንጎል ንዝኽርታት ከሰላስል ከም ዝሕግዝን ንስምዒት ምትኳርን ስርዓት ምሕቓቕ መግብን ኣብ ምዕባይ ከም ዝሕግዝ ንፁር’ዩ።

ብተወሳኺ ድቃስ ሓንጎልና ካብ ብኽነት ናጻ ዝዀነሉ ዕድላት ይህብ።

ከም ኣገላልፃ እቶም ተመራመርቲ፥ “ፅቡቕ ድቃስ እንተደሊኹም ቀትሪ ንጡፋት ኰይንኩም ንነብስኹም ብስራሕ ኣድክሙዎ፤ ግና ብእዋኑ ደቅሱ” ይብሉ።

ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዕረፍቲ ንምውሳድ ብዝብል እትገብሩዎ ሓፂር ድቃስ ምውጋድ ይግባእ ክብሉ እውን ይምዕዱ።

“ፅቡቕ ናይ ለይቲ ልምዲ ድቃስ ይሃሉኹም። መደቀሲኹም ድማ ምቹእ ምዃኑ ኣረጋግፁ፣ ምቹእ ሙቐትን ዓራትን ይሃሉኹም፤ ከምኡ’ውን ኣቓልቦ ዝስሕቡ ከም ቴሌፎን ዝበሉ ነገራት ካብ መደቀሲ ክፍልኹም ኣወግዱ” ክብሉ ገሊፆም።

መደቀሲ ሰዓት ክቐርብ እንከሎ፥ ካፈይንን ኣልኮላዊ መስተን ምንካይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ይገልፁ።

ድቃስ እንተኣብይኩም ኣይትጨናነቑ ዝበሉ እቶም ተመራመርቲ፥ ተሲእኩም ዝዀነ ዘዛንየኩም ነገር ግበሩ ክብሉ ድማ የምዕዱ።

ምንባብ መፅሓፍ ዝብል ከም ኣብነት ብምሕባር፥  ድሕሪኡ ድቃስ እንተመጺእኩም ደቅሱ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዳይረክተር ማእኸል ሳረይ ስሊፕ (Surrey Sleep) ፕሮፌሰር ደርክ-ጃን ዳይክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፥ “ሓጺር ናይ ድቃስ ሰዓት ንጥዕናና ጽቡቕ ኣይኰነን። እቲ ዓቢ ሕቶ ገለ ሰባት ስለ ምንታይ ውሑድ ድቃስ ይድቅሱ? ጠንቁ እንታይ እዩ? እንታይ ክንገብርከ ንኽእል? ዝብል’ዩ። ብዝተወሰነ ደረጃ ግን ድቃስ ብዝህልወና ኣነባብራ ክቕየር ዝኽእል’ዩ” ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.