Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሙዚየም ሳይንስ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሙዚየም ሳይንስ መሪቖም ከፊቶም።

እቲ ሀንፃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ቤተ መንግስትን ሆቴልን ሸራተንን ኣብ ዘሎ ቦታ ዝተሃነፀ ብዓይነቱ ሓዱሽ ዝኾነ ሙዚየም ሳይንስን ስነ ጥበብን ኢዩ ተባሂሉ።

ናይቲ ሙዚየን ግዳማዊ ገፅታ ቅርፂ ቀለበትን ጉልላትን ንክህልዎ ተገይሩ ከምዝተሃነፀ እውን ተገሊፁ።

ኣብ 7 ሄክታር ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ኣብ ንድፊ ኪነ ህንፃ ዘካተቶ ክቢ ቅርፂ ኣብ ዘየቋርፅ ዕብየት ዘለና ዕብየትን ጥበብ ደቂ ሰባትን ዘመላኽተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ዓብዪ ህንፃ ለዕሊ 15 ሺሕ ሜትር ካሬ ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ሓፈሻዊ ስፍሓቱ 132 ሜትር ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሓይሊ ፀሓይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረክብ ድማ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ብዝነኣድ ቅልጣፈ ኣብ ምዕባይ ምስ ዘሎ ቴክኖሎጂ ንምፅንባር ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘርእይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.