Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ሓምለዋይ ዓሸራ ዝገልፅ ቪዲዮ ኣዳሊዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኽለቁ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ሓምለዋይ ዓሸራ ዝገልፅ ቪዲዮታት ብምስንዳእ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኽለቁ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቴሌግራም ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ፥ ናይዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ካብ ዝጅመር ክልተ ኣዋርሕ ከምዝመልኦ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ንሓምለዋይ ዓሸራ ዘነቓቕሑ ቪዲዮታት ብምስንዳእ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ንኸካፍሉ ብምፅዋዕ፤ ንዝተመረፁ ቪዲዮታት ድማ ፍሉይ ሽልማት ከምዝተዳለወሎም ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.